ሂወተይ አብ ኖርወይ
ተመክሮታት ኤደን ሰማዕን ብዛዕባ ናይ ኖርወይ ሕብረተሰብ ብትግርኛ አንብብን
ልዕሊ ዕድመ ከለኹ በይነይ ናብ ኖርወይ መጺአ፣ 6 አዋርሕ አብ መቀበሊ ስደተኛታት ድማ ተጸቢየ
Eden
ን ኮሮና ቫይረስ ብሓባር ደው ክነብሎ ንክል ኢና። ብዝተእለና መጠን ክንፈልጦም ዝግባኣና ኣገባብ ምክልካሉ ኣገዳሲ ይገብሮ። ን ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ www.fhi.no ኖርዊጃን መወከሲ ሓበሬታ ይመልከርቱ።
እዚ ናብ ካልኦት ንክበጽሕ ሼር ንግበሮ።
- ካብ ገዛና ኣይንውጻእ
- ይዳውና ብዙሕ ግዜ ንታሓጸቦ<
- ካብ ካልኦት ርሕቀትና ንሓሉ<
https://vimeo.com/343816852/460835d7c6
ኤደን ካብ ኤርትራ
ቋንቋን ባህሊን ኖርወይ ክማሃር ከመይ ጌረ አበርቲዐ ከምዝጻዓርኩን ከምኡ ውን ወለንታዊ ስራሕ ከመይ ጌሩ አብ ኖርወይ ሓድሽ ሂዎት ክምስርት ከምዝሓገዘኒ ተዓዘብ
ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
አብቲ ትነብረሉ ከባቢ ሓንቲ ማሕበር ረኺብካ ከም ወለንተኛ ተመዝገብ። ቋንቋ ክትማሃር፣ ናይ ሰባት መርበብ ክትረክብን ይሕግዘካ፣ ስራሕ ክትረክብ ድማ መፍትሕ ኢዩ። ወላውን ሓደ ሰብ ቋንቋ ዘይክእል ናብ frivillig.no ክኣቱ ይኽእል እዩ። እዚ ንምግባር ብቀጥታ ናብ ናይ ወለንታውያን ማሕበራት ናይ ኢንተርኔት አድራሻ ምኻድ ወይ ምእታውን ወይ ካኣ ንአብ መቀበሊ ስደተኛታት ዝርከብ ወኪል ምሕታት ይካኣል።
ስራሕ ምድላይ ቀሊል ነገር አይኮነን
ስራሕ ቅድሚ ምርካበይ 100 ናይ ስራሕ ጠለብ ሰዲደ ኔረ። ፈጺምካ ተስፈ አይትቁርጽ። ሓንሳብ ስራሕ ምስ ረኸብካ ተመክሮ ተጥሪ ኢኻ፣ እዚ ኸአ ካልእ ግዜ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ ይሕግዘካ ከምኡ ውን ብዛዕባ ካልእ ስራሓት ክሕብሩኻ ዝኽእሉ ስፍሕ ዝበለ ናይ ሰባት መርበብ ክትፈጥር ትኽእል። ዝያዳ ሓበሬታ አብዛ መርበብ ሓበሬታ አንብብ። |
አብ ኖርወይ መወከሲ ውሰድ
ዋሃብቲ ስራሕ ወይ ኣስራሕቲ ብዛዕባ አብ ሃገርካ ዝነበረካ ተመክሮታት ብዙሕ አይግደሱን እዮም፣ ዘያዳ ዘገድሶም ብዛዕባ አብ ኖርወይ ዘለካ ተመክሮ እዩ። ንዝሰራሓካዮ መወከስታ ክትወስድ ፈጺምካ አይትረስዕ፣ ንመጻኢ ክጠቅመካ ድማ ዓቅቦ። እቲ ዝበለጸ ንኖርወይን ባህሊ ኖርወይን ጹቡቅ ጌሩ ዝፈልጥ ሐደ መወከሲ ክህልወካ ኸሎ እዩ።
ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ
እቲ ዝበለጸ ግዜ ለውጢ ክትጅምር ሕጂ እዩ። እንታይ ክትገብር ከም ትደሊ ሕሰብ፣ እንታይ ዓይነት ሕልምታት ኣለካ። ካብ ሕጂ ጀሚርካ ስርሓሉ። ክትበጽሖም ዘይከኣሉ ነገራት አይትሕሰብ። ቋንቋ ክትመሃር ትኽእል ዶ ሕጂ? እወ፣ ትኽእል ኢኻ። እንተደአ ዘይከአል ትብል ቃል ተጠቂምካ፣ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ምዕባሌኻ ባዕልኻ ጠጠው ክተብሎ ኢኻ።
ላይብረሪ ወይ ቤት ንባብ
አገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ፣ ትምህርትን ናይ ኖርወይ ሕብረተሰብን ብትግርኛ
አብዚ ጠውቅ
ቀጥጣዊ ዝርርብ ብኢንተርኔት
ብዛዕባ ምውህሃድ አብ ሕብረተሰብ ኖርወይ ውልቃዊ ተመክሮ ዘለዎም ወለንታውያን ሰራሕተኛታት ካሪታስ ኖርወይ ብትግርኛ ቀጥታዊ ዝርርብ ብኢንተርኔት ክተካይድ ትኽእል። ናይ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን መደብ ዕዮ ከምዝስዕብ እዩ
ሰኑይ
ብዓረብ
Åpent fra 11-16
ሰሉስ
ብቱርኪ
Åpent fra 11-16
ረቡዕ
ብትግርኛ
Åpent fra 11-16
ሓሙስ
ብዳሪ
Åpent fra 11-16
ዓርቢ
ዕጽው
Ring oss
Hvis du ikke ønsker å chatte kan du ringe oss. Telefonen har samme åpningstider som chatten og betjenes av frivillige.