ስራሕ
ብኸመይ ስራሕ ትረክብ
ትምህርቲ
ብሓፈሻ ብኸመይ ናይ ትምህርቲ ቦታ ትረክብ
ኣብ ኖርወይ ከም ወጻእተኛ ዜጋ ኮይንካ መታን ትምህርቲ ክትረክብ፡ ብዝተኻእለካ ብዝቐልጠፈ መጠን፡ ኣብ ስርዓት ኖርወይ ዘሎ ቅጥዕታት ክትፈልጥ ኣለካ። ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ክማልኡ ዘለዎም ሓያሎ ነገራት ኣለዉ። ከምኡ’ውን መስርሕ ምምሃር ዝተሓላለኸን ግዜ ዝወስድን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ትዕግስቲ ጌርካ ተጎዓዝን፡ ወይ ብመገዲ “ካሪታስ” ኣብ ኢንተርነት፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ብቴለፎን፡ ወይ ምስቶም ዝምልከቶም ተራኺብካ፡ ነቲ ክትፈልጦ ትደሊ ዘለኻ ዝፈልጡ ኣካላት ሓገዝ ወይ ምኽሪ ሕተት።
ኣብዚ ንትምህርቲ ኣብ ኖርወይ ዝምልከት፡ ብመገዲ መላገቢ (ሊንክ) ንኻልኦት መርበባት ኢንተርነት ኣቢልና፡ እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ሓበሬታ ኣኪብናልካ ኣለና። ኣብተን መላገቢታት ብዛዕባ ነፍስ-ወከፍ ኣርእስቲ ዝያዳ ዝርዝራት ክትረክብ ኢኻ። መብዛሕትአን መርበባት ኢንተርነት፡ ብቋንቋታት ኖርወይን እንግሊዝን ምዃነን ዘክር። ንስኻ ነዞም ቋንቋታት ዘይትመልኮም እንተድኣ ኮይንካ፡ ንዓና “ኣገልግሎት ምኽሪ”፡ ርኸበና’ሞ ብመበቆላዊ (ናይ ዓድኻ) ቋንቋ ከነዘራርበካ ኢና።
ኣብዚ፡ ትምህርቲ ኣብ ኖርወይ ኣብ 5 ደረጃታት ተጸሚቑን በቲ ኣዝዩ ባህርያዊ መስርዕን ተዳሊዩ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ ከተስተብህለሉ ዘለካ፡ እቲ ንዓኻ ዝምልከተካ፡ ካብቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ብምሉእነት ወይ ብኸፊል ክፍለይን ከም ዝኽእል’ዩ። ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ግዜ ሓያሎ ስጉምታት ብምትሕንፋጽ፡ ወይ ፍሉይ መስርሕ ብምጅማር ክትፍጽሞ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ታሕቲ ዘላ መላገቢ ኢንተርነት ጠዊቕካ፡ ነፍስ-ወከፍ ስጉምቲ ክትረኽቦን ዘለዉኻ ምርጫታት ክትድህስስን ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ትምህርቲ ንኽትረክብ ዘኽእለካ፡ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዝረኸብካ ከተረጋግጽ ኣለካ። ኣብ ካልኣይ (ቁ. 2) ስጉምቲ፡ ናይቲ ኣቐድም ኣቢልካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ተቐባልነት ዝርከበሉ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ 3ይን 4ይን ስጉምታት፡ ብዛዕባ ቋንቋን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ብቕዓት ዝምልከቱ መምዘኒታት ገሊጽናልካ ኣለና። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ፡ መወሰኽታ ይቐርብ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብቲ ክትመሃረሉ ትደሊ ዘለኻ ትምህርቲ፡ ቦታ ንምርካብ ዘኽእለካ መስርሕ ኣቀራርባ መመልከቲ ነላልየካ።
ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘለካ፡ ብባዕልኻ (ብገዛእ-ነብስኻ)፡ ስርዓተ-መርበብ ዕቚባ ብምፍጣርን ነቲ ቋንቋ ብምምሃርን ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ነገራት ከም ዘለዉ ኢዩ። ስለዚ ሎሚ ንሸቶታካ ባዕልኻ ጨብጦም!
ኩለን ሃገራት ነናተን ስርዓተ-ትምህርቲ ኣለወን። ኣብ ኖርወይ፡ ዝርከብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ዝኾነ ትምህርቲ፡ ንናይ ካልኦት ሃገራት ትምህርቲ ክውሰኾ ይኽእል’ዩ። እዚ ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ነርስ፡ መባእታ ደረጃን ቅድመ-ትምህርትን ዝተወስደ ክስረሓሉ ይኽእል። እዞም ፍልልያት ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ስለዝርከቡ፡ ናብ ዘይምርድዳእ ከምርሑ ይኽእሉ። እዚኣቶም መታን ብምሉእነት ወይ ብኸፊል ከም ኣካል ኖርወጃዊ ትምህርቲ ተቐባልነት ክረኽቡ፡ እቶም ልሙዳት ኣካይዳታት ትምህርትን ሞያዊ ኣሰራርሓን፡ ምስቲ ዝመጣጠኖም ኖርወጃዊ ደረጃ ኣብ ግምት ክኣትዉን ክወዳደሩን ይግባእ። እቲ ገምጋም ዝገብርን ፍቓድ ተቐባልነት ዝህብን፡ ሃገራዊ ትካል (ኣጀንሲ) ብቕዓት ትምህርቲ፡ ሃ/ት/ብ/ት (Nasjonalt organ for kvalitet i utdanningen (NOKUT)) ኢዩ።
ሃ/ት/ብ/ት (NOKUT) ብዘይካ’ዘን ኣብተን ፍሉይ ስልጣን ዝተዋበን ቁጽጽር ዝግበረለን ሞያታት፡ ኣብ ካልእ ካብ ወጻኢ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከፍቅድ ይኽእል ኢዩ። ሓያሎ ዝፍቀዱ ውጥናት ኣለዉ። ስለዚ ኣብዚ ዘገድስ፡ እቲ ትምህርቲ ናትካ ትምህርቲ ምዃኑን፡ ንምንታይ ክትጥቀመሉኸ ትደልን ዝብል፡ ኣየናይ ውጥን ፍቓድ ይፍቀደልካን ከምዝውስኖ ዘክር። ኣብዚ ገለ ኣገደስቲ ፍልልያት ክንርኢ ኢና። ንሳቶም ነቲ ኣብ ሃገርካ ዝተማሃርካዮ ትምህርቲ ንምቕባሉ ፍቓድ ኣይህቡኻን ይኾኑ።
- – ሓፈሻዊ ፍቓድ ምቕባል ንላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ነቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ዲግሪ፡ ወይ ክፋል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘለዎም፡
- ናይ ሞያ ወይ ሞያዊ ስልጠና ፍቓድ፡ ነቶም ሞያ ወይ ሞያዊ ስልጠና ትምህርቲ ዘማልኡ (ዝወድኡ)፡ (ንኣብነት፡ ጸራባይ (ፋለኛሞ)፡ ምግጣም ቱቦታት (ኢድራውሊኮ)፡ መሻጢ (ጸጉርን)፡ ለኻያይ (ሕብሪ))
- ውጥን UVD፡ እዚ ናይ ትምህርቶም ሰነድ ምስኦም ንዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ውጥን ፍቓድ ኢዩ።
- ገምጋም ሓቀኛ ብቕዓት፡ ነቶም ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘይብሎም፡ ግን ከኣ ተመኩሮ ስራሕን ብቕዓትን ዘለዎም።
- ፍቓድ ናይ ቁጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት፡ ነቶም ኣብ ኖርወይ ቁጽጽር ንዘድልዮ ሞያ፡ ፍሉይ ፍቓድ ዘድልዮም፡ ንኣብነት፡ ሓኪም፡ ጠበቓ፡ ወይ ተጻባጻባይ-ሕሳብ (ኣካውንታንት)፡ ኣብዚ ቃዕታ (ኮምፕዩተር) ብምጥዋቕ፡ ዝርዝር ናይቶም ቁጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ክትረከብ ትኽእል።
ንስደተኛታት ዝወሃብ መሕለፊ ብቕዓት፡
እዚ ኣብ ሓፈሻው ውጥን ፍቓድ ሃ/ት/ብ/ት (NOKUT) ክኣትዉ ንዘይክእሉን፡ ኣብቲ ናይ ውጥን UVD ዘየለዉን ዝሰማማዕ ኢዩ። ናይ እንግሊዝኛ፡ ኖርወይን ወይ ካልእ ስካንዲናቭያዊ ቋንቋ ብቑዕ ክእለት እንተዘይብልካ፡ እንድሕር ናይ ሓዋሩ መንበሪ ፍቓድ እንተሃሉይካ: ከምኡ’ውን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ዝወዳእካሉ ብቕዓት እንተዘይብልካ።
እቲ ደብተር ብቕዓት፡ ብዛዕባቲ ዘለካ ኣዝዩ ዝለዓለ ብቕዓት፡ ተመኩሮ ስራሕ፡ ክእለት ቋንቋ፡ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ጉዕዞ (መገዲ) ምኽርን መምርሕን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ደብተር ብቕዓት ን3 ዓመት ብግቡእ ዝሰርሕ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ሸቶ፡ ንስኻ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምርን፡ ናይ ቋንቋ ክእለትካ ንምድላውን፡ ወይ ከኣ ንወግዓዊ ፍቓድ መታን ከተመልክት፡ ዕድል ንኽትረክብ ኢዩ። ናብዚ ብቑዕ ኮይንካ ንኽትካፈል፡ መጀመርያ ናብ ሃ/ት/ብ/ት (NOKUT) ንላዕለዋይ ትምህርቲ ፍቓድ ንምርካብ መመልከቲ ከተቕርብ ኣለካ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃ/ት/ብ/ት (NOKUT) ኣቲኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣንብብ።
Les mer på NOKUT sine nettsider.
ኣብ ኖርወይ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንኽትመሃር ዘድልየካ ወግዓዊ ናይ መእተዊ (ምዝገባ) ጠለብ ኢዩ። እዚ ማለት ነፍስ-ወከፍ ኣብ ኖርወይ ክመሃር ዝደሊ ሰብ፡ መታን ክመሃር ክኽእል፡ ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓት ክህልዎ ኣለዎ። ካብ ካልእ ሃገር ዝመጻእካ እንተደኣ ኮይንካ፡ ኣየናይ ትምህርቲ ናይ ኖርወይ ኢዩ ምስቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓፈሻዊ ክእለታት ትምህርቲ ዝሰማማዕ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ። (ዝርዝር GSU)
ኣብ ኖርወይ ናይ ስደተኛ ወይ ተመሳሳሊኡ ደረጃ እንተደኣ ተዋሂቡካ፡ ካብ ሃገርካ እቲ ዝድለ ሰነዳት ካብ ሃገርካ ክትረክብ ዘይትኽእል እንተኮይንካ፡ ብመሰረት “23/5፡” ዝብል ሕጊን ካብ ናይ 5-ዓመት ጠለብ ግድፈት ካብ “ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓት፡” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
እንተደኣ ነቲ ጠለብ ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓት፡ ተማልእ ዲኻ ኣይተማልእን (ይምልከተካ ዲዩ) ጌና ዘይተረጋግጽ ኮይንካ፡ ኣካል “ኣወሃሃዲ ምዝገባ)”፡ ውልቃዊ ምኽሪ ክህበካ ይኽእል ኢዩ። ነቲ እንሰደልካ፡ ናይ ምኽሪ ቅጥዒ መሊእካ፡ ምስቲ ናይ ሃገርካ ሰነዳት ትምህርትኻ ኣተሓሒዝካ ከተቕርቦ ይግባእ። link til skjema
እንተደኣ ናይ ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓትን ናይ ቋንቋ ጠለባትካን ዘማልኡ ሰነዳት ከተቕርብ ክኢልካ፡ መብዛሕትኡ እዋን ናብቲ ዝደለኻዮ ትካል ትምህርቲ ንምምዝጋብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ትምህርታት ግን፡ ንምምዝጋብ ቅድሚ ምምልካትካ፡ ተወሰኽቲ ጠለባት የድልዩኻ ኢዮም። ብዛዕባዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነቶም ዝምልከቶም ናይ ትምህርቲ መርበባት ኢንተርነት ተወከስ። ከምኡ’ውን፡ ኣብዚ ስዒቡ ዘሎ፡ “ንምምዝጋብ መመልከቲ ምቕራብ፡” ዝብል ክፋል ርአ።
እንተደኣ ሚዛን ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓት ዘይተማልእ ኮይንካ፡ ናይ “ሓቀኛ ብቕዓት” መምዘኒ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ግዜ ምምልካት፡ ዕድሜኻ 25 ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ’ውን መታን ነቲ ንቡር ናይ መመዝገቢ ጠለብ ከተማልእ ዘምኽኣልካ ክትሽፍን (ክትክሕስ)፡ ነቲ ትደልዮ ዘለኻ ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ዝዳረግ ብቕዓት ክህልወካ ኣለዎ። ስራሕካ ወይ ብወለንታ ዘካየድካዮ ዕማም፡ ትምህርታውን ውድባውን ተመኩሮኻ፡ ኣብነታት ናይ መምዘኒ ሓቀኛ ብቕዓት ክኾኑ ይኽእሉ። እቶም መምዘኒታት ቅቡላት ይኾኑዶ ኣይኮኑን ዝውስኖ፡ እቲ ነፍስ-ወከፍ ተመሃራይ ክመሃረሉ ዝደሊ ዘሎ ቦታ (ቤት-ትምህርቲ) ኢዩ።
ኣብ ኖርወይ፡ ንፍቓድ መንበሪ ተባሂሉ ዝቐርብ መመልከቲ፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን-ክ/ኢ (UDI) ኢዩ ዝምስርሖ። እቲ መንበሪ ፍቓድ፡ ናይ ትምህርቲ፡ ዳግመ-ምሕባር ስድራ-ቤት፡ ኣጉራዊ ጸወን፡ ምብጻሕ፡ ወይ ድማ ምእላይ (ምንባይ) ቆልዑ፡ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ፡ ናብ ክፍሊ ኢሚግረሽን (UDI) ናይ ዝቐርቡ ጉዳያት ንምስማዕ (ወይ ንምሓዝ) ዝወስዶ ናይ ግዜ ትጽቢት ከኣ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ዝተመርኮሰ ውሳኔ (ፍቓድ) ምስ ዝረክብ፡ ብልሙድ ብኻልእ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ምኽንያታት ውሳኔ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኖርወይ ናይ ተመሃራይ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ረኺቡ፡ ብተወሳኺ ኣብ ሰሙን ንዝተወሰኑ ሰዓታት፡ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ነፍስ-ወከፍ ክፍሊ ኢሚግረሽን -ክ/ኢ (UDI) ዝወሃብ ውሳኔ ውልቃዊ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዝወሃበካ ውሳኔ ምጽባይን፡ ነዚ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ንኽትርድኦ ኣብ ትርጉምን ምርዳእን ሓገዝ ምርካብ ንዓኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ማሕበር ኖርወጃውያን ሓተቲ ዕቚባ፡ ማ/ኖ/ደ/ዕ፡ (Norsk Organisasjon for Asylsøkere, NOAS) ነቲ ዝወሃበካ ውሳኔ ዕቚባ ንኽትርዳእ ክሕግዘካን፡ ዘለካ ናይ ጥርዓን መሰል ክሕብረካን ኢዩ። ቁጽሪ ቴለፎኑ፡ +47 22 36 56 60 ተጠቒምካ ክትድውለሉ ትኽእል።
ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መንበሪ ፍቓድ ዘውህቡ ምኽንያታት፡ ጉዳይካ ዝተሓዘሉ (ዝምስረሓሉ) ግዜ፡ መዐቀኒታትን ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን -ክ/ኢ ኖርወይ (UDI)፡ (www.udi.no) ወይ (ወይ ኣገልግሎት ምኽሪ፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን -ክ/ኢ ኖርወይ (UDI) ብቑጽሪ +47 23 35 16 00, ሰኑይ፡ ሰሉስ፡ ሓሙስን ዓርብን፡ ሰዓት 9፡00-12፡30 ክትድውል ትኽእል።
ኩሉ ኣብ ኖርወይ ናብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ንትምህርቲ ንምእታው መመልከቲ ዘቕርቡ ሰባት፡ ናይ እንግሊዝኛን ኖርወጅን ቅጥዕታት ቋንቋ ከማልኡ ኣለዎም።
ኖርወያዊ–
ናይ ኖርወይ ናይ ቋንቋ ቅጥዒ፡ ምስቲ ኣብ ደረጃ B-2 (ለ-2) ዝህሉ ፈተና፡ ኣብ ኩሎም 4 ንኡሳን ክፋላት ፈተና ምሕላፍ ከማልእ ኣለዎ። ንነብስኻ ምስቶም ዝተፈላለዩ ደረጃታትን፡ ኣየኖት ንኡሳን ክፋላት ኢዮም ኣብቲ መርመራ ግድነታውያን ዝብልን ንኽትፈልጥ፡ ናብ መርበብ ኢንተርነት ትካል “ብቕዓት ኖርወይ” (kompetanse Norway) ኬድካ ኣንብብ። ኣብዚ ናይ ነፍስ-ወከፍ ደረጃ ሓጺር መግለጺ ስዒቡ ቀሪቡ ኣሎ።
- A-1 (ሀ-1) ልሙዳት መዓልታውያን መግለጺታትን ኣዝዮም ቀለልቲ ምሉእ-ሓሳባትን ንምርዳእን ንምጥቃምን የኽእለካ።
- A-2 (ሀ-2) ኣብ ልሙድ ኣከባቢ ኣብ ዝርከቡ ግብራውያን ዕማማትን ኣሰራርሓን ዝምልከቱ ዝርርባት ክትካፈል ትኽእል።
- B-1-(ለ-1) ናይ ሓደ ሕልኽላኽ ጽሑፍ ቀንዲ ነጥብታት ወይ ኣብ ዓውዲ ትምህርትኻ ኣካዳሚያዊ ጽሑፋትን ዘተን ክትርዳእ ትኽእል።
- C-1 (ሐ-1) ንዝያዳ ዝተሓላለኹ ትምህርታትን ስራሕን ዝጥለብ፡ ዝሰጎመ ደረጃ ብቕዓት ንምርዳእ ዘኽእል
ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ምስ ሰፈርካ (ተቐመጥካ) ኣብቲ ናይ ሌላ መደብ ክትሳተፍ ዕድል ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ቋንቋን ሕብረተ-ሰብን ስልጠና ትወሃብ። ኣብቲ “ሕብረተ-ሰብ” ዝብል ክፋል፡ ብዛዕባ ሰፈራን (ምንባር) መደብ ሌላን ከተንብብ ትኽእል። ከምኡ’ውን ገለ ካልኦት ብዛዕባ ኖርወጃዊ ስልጠናታት ቋንቋ ዝገልጹ ኣለዉ። ስዒቡ ዝርዝር ናይ ገለ ካብቶም ክርከቡ ዝኽእሉ ወፈያታት ይቐርብ፡
Osloskolen፣
Folkeuniversitetet፣
Caritas Norge፣
Alfaskolen፣
Lingu፣
Språkakademiet፣
Rød Kors
እንግሊዝ
-እዚ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ቅጥዒ ምስ ከም፡ TOEFL, IELTS, ፈተናታት Cambridge ESOL, The European language certificate (ኤውሮጳዊ ምስክር-ወረቐት ቋንቋ) ዝኣመሰሉ ፈተናታት ይመጣጠን። ሓደ ሰብ ነዞም ቅጥዕታት ቋንቋ ከማልእ ዝኽእል፡ ንኣብነት ኣብ እንግሊዝኛ ዲግሪ፡ ወይ እንግሊዝኛ ከም ቀንዲ ኣካል መደቡ ኣብ ዝኾነ ናይ ባቸለር (1ይ) ወይ ማስተርስ (2ይ) ዲግሪ፡ ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ (ሰከንደሪ) ቤት-ትምህርቲ ሓደ ዓመት ዝተማህረ፡ ወይ ኣብ ሓደ እንሊዝኛ ዝቛንቋኡ ሃገር ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዝተማህረ፡ ሰነድ ብቕራብ ኢዩ።
ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ዝቐርቡ መመልከቲታት፡ ናይ ምምስራሕ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ወይ ክፍሊ “ኣወሃሃዲ ምዝገባ” ኢዩ። ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት (ናይቲ ቤት-ትምህርቲ) መስርሒ መስመር ወይ ስም (ማለት bruker) ተጠቒምካ ብምእታው፡ ብመገዲ ኢንተርነት (online) ናይ ምዝገባ መመልከቲን፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ኣድለይቲ ሰነዳትካን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኖርወይ ናብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ንምምዝጋብ፡ ሓፈሻዊ ትምህርታዊ ብቕዓት፡ እኹል ፍልጠት ቋንቋታት ኖርወጅን እንግሊዝኛን፡ ግቡእ ሰነዳትን የድልየካ። (ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ነጥብታት ርአ።)
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ትምህርቲ 2019፡ (Studieoversikt 2019) ማለት፡ ናይቶም ኣብ 2019 ዓ/ም ዘለዉ ትምህርታትን፡ እንታይ ጠለባት ከኣ ኢዩ ተዳሊዩሎም ኣሎን፡ ከም ኣብነት ዝህብ ኢዩ።
ኮማዊ
ህይወት ኣብ ኖርወይ
ዘመናዊ ሕብረተ-ሰብ ኖርወይ ዝልለየሎም፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ ማዕርነትን ቁጠባዊ ርግኣትን ኢዮም። ማዕርነትን ሓደነትን ምስታ ማሕበረ-ውሕስነታዊት ዘመናዊት ሃገረ (ወልፈይር ስተይት) ኖርወይ ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ ኢዮም። እዚ ማለት ጾታ፡ ጾታዊ መንነት፡ ዓሌትነት ወይ ስንክልና ብዘየገድስ፡ ኩሎም ዜጋታት ማዕረ መሰል ክወሓሰሎም ኣለዎ ማለት’ዩ። ኖርወይ ብር’ቋሕ ማዕርነት ጾታታትን ኩነታት መነብባሮን፡ (70% ካብ ደቂ-ኣንስትዮኣ ኣብ ስራሕ ስለዘለዋ)፡ ካብ መንጎ’ተን ዝበለጻ ሃገራት ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ።
ኖርወይ ባይቶኣዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዘለዋ፡ ቅርጺ መንግስታ ኣሃዱኣዊ (unitary) ቅዋማዊ ንግስነት ኢያ። ብሓጺሩ እዚ፡ ኣብ ቅዋም ዘለዉ ሓይሊን (ሓላፍነት) ስልጣንን፡ ብሃገር ደረጃ ኣብ መንጎ’ቲ መንግስታዊ ምምሕዳር (ፈጻሚ ኣካል)፡ ባይቶ (ሓጋጊ ኣካል)ን ኣብያተ-ፍርድን (ፈራዲ ኣካል) ዝተዘርግሐ’ዩ ማለት’ዩ። ናይ ኣውራጃን ምምሕዳር ከተማን ዝህሉ ስልጣን፡ እቲ ሃ/ባይቶ ንከባቢያውያንን ንዞባውያንን ቤት-ጽሕፈታት፡ ብውክልና (ወይ ሕድሪ) ዝሃበን ስልጣን ጥራይ ኢዩ።
ኖርወይ ውክልናዊ ደሞክራሲ ኢያ ትኽተል። እዚ ማለት፡ ህዝቢ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 4 ዓመት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ወከልቱ ናብ ሃ/ባይቶ፡ ናይ ቤት-ምኽሪ ኣውራጃን ምምሕዳር ከተማን ይመርጽ። ናይ ምምራጽ መሰል ኣድማሳዊ ኢዩ። ንሃ/ባይቶ ኣብ ዝግበር ምርጫ ንኽትሳተፍ (ከተድምጽ) ግድን ዕድመኻ 18 ዝመላእካን ዜግነት ኖርወይ ዘለካን ክትከውን ኣለካ። ኣብ ምርጫታት ኣውራጃን ምምሕዳር ከተማ ግን፡ ወጻእተኛታት ዜጋታት ክመርጹ ይእኽሉ። እዚኣቶም ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ፡ ብውሑዱ ኣብ ኖርወይ ን3 ዓመታት ዝነበሩ (ዝተቐመጡ) ክኾኑ ኣለዎም። ኩሉ’ቲ ንኸድምጽ መሰል ዘለዎ ሰብ ኣብ ምርጫ ምስታፉ፡ ንምዕባለ ደሞክራሲ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ዝስዕብ፡ ብዛዕባ ምርጫታትን መሰል ምድማጽን ዝያዳ ሓበሬታ ኣለካ፡ ኣንብብ። (valg og stemmerett)
ኣውራጃታትን ምምሕዳር ከተማታትን (ንኡስ ዞባ)፡
ኖርወይ ኣብ 18 ኣውራጃታትን 422 ምምሕዳር ከተማታትን (ንኡስ ዞባ) ትምቀል። (ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ኖርወይ ዝወሓዳ ምምሕዳር ከተማታት (ንኡስ ዞባ) ክህልዋ ኢዩ።) ሓደ ቀሊል ናይ ጉግል (ኢንተርነት) ፍተሻ ጌርካ፡ ትነብረሉ ዘለኻ ኣድራሻ (ቦታኻ) ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማን (ንኡስ ዞባ) ኣውራጃን ከምዘሎ (ከም ዝጥርነፍ) ኣብ ሓጺር ግዜ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ኣብ ከባቢኻ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ክትፈልጥን፡ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝፍጸም ዘሎ ከባቢያዊ ምርጫታት ክትከታተሎን ትኽእል። (færre kommuner)
ኣብ ኖርወይ ኣብ እትገብሮ ናይ ዳግመ-ጽንበራ ፕሮጀክት (ትልሚ)፡ ስድራ-ቤት ኣገዳሲ ቴማ ክኾነልካ ይኽእል ኢዩ። ንጉዳያት ምትእኽኻብ (ጽምበራ)-ስድራ-ቤት፡ ዝከታተል፡ ክ/ኢ (UDI) ኢዩ። እዚ ነዊሕን ኣህላኺን መስርሕ ክኸውን ይእኽል። ንኽሕግዘካ ድማ፡ በቲ ዝበለጸ ዝከኣል መገዲ፡ ነቶም ምስ ስድራ-ቤትካ ንኽትጽንበር ዘድልዩኻ ቀንዲ መሰረታውያን ጠለባት ኣብዚ ነቕርበልካ ኣለና።
መጀመርያ ምስ ስድራ-ቤት ምትእኽኻብ (ምጽንባር) ዕድል ዘለዎ ሕጋዊ ወረቐት መንበሪ (ጻንሖት)፡ ከም ናይ ምልክልኻል (ዕቚባ) ዝመስል ክህልወካ ኣዝዩ ዘየላቡ ኢዩ። ማሕበር ኖርወጃውያን ደለይቲ ዕቚባ፡ ማ/ኖ/ደ/ዕ፡ (Norsk Organisasjon for Asylsøkere (NOAS))፡ ኣብ ውሳኔታት ምድላይ ዕቚባ፡ ዳግመ-ምጽንባር ስድራ-ቤታትን ጥርዓናቱን ጉዳያትካ፡ ናጻ ሕጋዊ (ናይ ጠበቓ) ሓገዝ ክህበካ ይኽእል’ዩ። ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ውድባት ሓገዝን ምኽርን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት፡ JussBuss፡ ወይ Selvhjelp for innvandrere og flyktninger (Seif).
ኩሎም ኣባላት ስድራኻ ኣይኮኑን መሰል ዳግመ-ምጽንባር ስድራ-ቤታት ዝምልከቶም። እዚ ንመጻምድቲኻ/ብጸይትኻ (በዓል/ቲ እንዳ)፡ ወይ ከኣ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ውላድካ ጥራይ ኢዩ ዝምልከት።
መታን ናይ ኣታዊታት ክፍሊት (ግዴታ) ከተወገድ፡ እቲ ንምጽንባር ስድራ-ቤት እተቕርቦ መመልከቲ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናይቲ ኣብ ደብዳቤኻ ዘሎ ዕለት ምክልኻል (ዕቚባ) ኣብ ኖርወይ ክግበር ኣለዎ። እዚ ብመገዲ ኢንተርነት፡ ኣብ ናይ ክ/ኢ (UDI) በሪ ኢንተርነት (portal) ብምእታው ክግበር ይከኣል። ንዓኻ (ኣብ ኖርወይ ዘለኻ) ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ካብታ ናይ ውሳኔ ደብዳቤኻ ዝበጽሓትካ ዕለት፡ እቶም (ካብ ኖርወይ ወጻኢ ዘለዉ) ስድራ-ቤትካ ብኣካል ናብ ናይ ኖርወይ ኤምባሲ፡ ቆንሲሊያ ወይ ማእከል መመልከቲ ከይዶም፡ መመልከቲኦምን ኩሉ ኣድላዪ ሰነዳትን ከቕርቡ ኣለዎም።
ብዛዕባ ጉዳይካ ወይ ብዛዕባ እቲ ሕጋጋት ሕቶታት እንተደኣ ሃሊዩካ፡ በዚ ቁጽሪ + 47 23 35 16 00 ብቐጥታ ብቴለፎን ብምድዋል፡ ምስ ክፍሊ ኣገልግሎት ምኽሪ ክ/ኢ (UDI) ክትራኸብ ከምእትኽእል ዘክር።
ኣብ ኖርወይ ካብ ዘሎ ህዝቢ ፍርቁ፡ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ። ወለንታዊ ጻዕርታት ኣብ ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ኣለዎም። ነቶም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ግዜኦም ዘወፍዩ፡ ወለንታውነት ኣተባባዒ፡ መሃሪ፡ ብዝያዳ ድማ ኣዕጋቢ ክኸውን ይእኽል። ከምኡ’ውን ቋንቋ ኖርወይ ንምምሃርን ምስቶም ደቂ ከባቢ ዜጋታት ንምልላይ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምፍጣርን ዝጠቅም መገዲ ክኸውን ይእኽል ኢዩ። ወለንታዊ ስራሕ እትሕተቶ ግዴታ (ጠለብ) ካብቲ ኣብ ምዱብ ስራሕ ዘሎ ዝተሓተ ኢዩ። ብማዕሪኡ’ውን ንናይ መጻኢ ተኽእሎ ምድላይ ስራሕ ብዙሕ ፍልጠት የቕስመካ ኢዩ።
ኣብ ኖርወይ ብዙሓት ናይ ወለንታዊ ስራሕ ውድባትን ልኡኻትን (ሚሽን) ኣለዉ። ኣብ ኖርወይ ብዙሓት ማእከላት ወለንታ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንኣብነት፡ ናይ ከባቢ ቦታ ኣኼባ ኮይኖም፡ ንጽቡቕ ሃዋህው ወለንታን ንጥፈታትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ጽቡቕ ምውህሃድ ንምፍጣር ንውልቀ-ሰባትን ውድባትን ብሓባር ንኽሰርሑ ዝሕግዙ መላግቦታት ኢዮም። (frivillighetssentral)
“ካሪታስ” (Caritas) ሓደ ወለንታዊ ውድብ ኮይኑ፡ ንማሕበረ-ኮም (ህዝቢ) ስደተኛ ሓበሬታን ንጥፈታትን ንምቕራብ ይሰርሕ፡ ኣብ ንፉዓትን ውፉያትን ወለንተኛታት ድማ ይምርኮስ። ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ኢንተርነት፡ ናትና ወለንታዊ ዕማማትን ምዝገባን ክትረክብ ትእኽል፡ frivillig.no. ።
መብዛሕትኦም ናይ ወለንተኛታት ዕማማት ስራሕ፡ ኣብዚ መርበብ ኢንተርነት ክርከቡ ይእኽሉ፡ frivillig.no ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱ መርበባት ኢንተርነት ብምፍታሽ ክትረኽቡዎ ትእኽሉ። ወለንታዊ ስራሕ ገንዘብ ኣይክፈሎን ኢዩ። መልክዑ ድማ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ከም ናይ ሓበሬታ፡ ስርዓተ-መርበብ፡ ናይ ስልጠና ስራሕን ካልእ መልክዓትን ይሕዝ። እንተድኣ፡ ወለንታዊ ስራሕ ምፍጻም፡ ንዓኻ ቅኑዕ (ግቡእ) ዲዩ ኣይኮነን ትጠራጠር (ትሓትት) ሃሊኻ፡ ፈለማ ኣጸቢቕካ ክትሓሰበሎም ዘለካ ነጥብታት አለዉ፣ ንሳቶም እንታይ ኢዩ ንዓኻ ዝስሕበካ፣ እቶም ዘገድሱኻ ወይ ዘሻቕሉኻ ጉዳያት እንታይ ኢዮም፣ እንታይ ዓይነታ ዕማማት ክትሰርሕ ትፈቱ ዝብሉ ኢዮም። ወለንታውነት ሓድሕዳዊ (ሓባራዊ) ስለዝኾነ ክትሰርሕ ከለኻ ደስ ኢሉካ ክትሕጎሰሉ (ከተስተማቕሮ) ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ፡ ናይ ቅድም ተሳተፍቲ ወለንታዊ ስራሕ ተመኩሮኦም ዘካፍሉሉ ቪድዮታት (ክሊፕ) ክትረክብ ኢኻ። (filmer av tidligerer frivillige)
ምስፋር፡
ነቶም ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ፍቓድ ዝተዋህቡ (ዝተፈቕደሎም) ስደተኛታት፡ ንኽሰፍሩ (ክነብሩ) ክኣልዮምን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኖርወይ ንኽጽንበሩ ክሕግዞምን ዕማም ምምሕዳር ከተማ ኢዩ። ከም መምርሒ ኩሎም ስደተኛታት፡ ክፍሊ ኢሚግረሽን (UDI) ነቲ ናይ ዑቕባ ምምልካት ጉዳዮም ክሳብ ዝምስርሖ፡ ኣብ ማእከል (መደበር) ዕባት ይጸንሑ። እንተኾነ ግን ገሊኦም፡ ካብ ክ/ኢ (UDI) መልሲ (ውሳኔ) ክሳብ ዝመጾም ብውልቂ ክነብሩ ዝደልዩ ይእኽሉ ኢዮም። ግናኸ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይግበረሎምን’ዩ። ንሰበ-ስልጣን ኖርወይ ድማ ቅኑዕ ኣድራሻኦም ክሕብሮም ግዴታ ኣለዎም።
እቲ ናይ ዕቚባን መመልከቲኻ ተመስሪሑ ፍቓድ ተቐባልነት ምስ ረኸብካ፡ ንዓኻ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ዝረኽበልካ ኣካል፡ ክፍሊ ኢሚግረሽንን ጽንባረን ብዙሕነትን፡ ክ/ኢ/ጽ/ብ (Integrerings- og Mangfoldsdirektoratet, IMDI)፡ ኢዩ። ኣብ ኖርወይ መስርሕ ሰፈራ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽል’ዩ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከኣ ይፈላለ ኢዩ። ዘይተመርዓዉ ትሕቲ-ዕድመ፡ ቆልዑ ዘለዉዎም ስድራ-ቤታትን ንቕልጡፍ ሰፈራ ቀዳምነት ስለዝወሃቦም፡ ምምሕዳር ከተማ ንኽዕደሎም ዝሓጸረ ግዜ ኢዮም ዝጽበዩ።
ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ቅኑዕ (ዝሰማማዕ) ምዃኑ፡ ብኸመይ ይውሰን?
ስደተኛታት ኣብ ግዜ ምምስራሕ መመልከቲኦም ኣብ ዝነብሩሉ መደበር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ስደተኛ፡ ንጠለባቱ፡ ብቕዓቱን ካልእ ንዕኡ ዝምልከት ዝኾነ፡ ማለት ንናይ መጻኢ እዋን ህይወቱ ኣብ ኖርወይ ዘጠቓልል መጽናዕቲ ክጅምሩ ኢዮም። እዚ መጽናዕቲ፡ ክፍሊ ኢሚግረሽንን ጽንባረን ብዙሕነትን- ክ/ኢ/ጽ/ብ ኣብ ዕማሙ፡ ንዓኻ ቅኑዕ ዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ምምራጽ ዝጥቀመሉ ኣገዳሲ መሳርሒ ኢዩ። እዚ ትካል ንኣብነት፡ እቲ ስደተኛ፡ ድሮ ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኣለዉዎዶ፡ ዝብል ኣብ ግምት የእቱ።
ክ/ኢ/ጽ/ብ ውሳኔ ሰፈራ ናይቲ ስደተኛ ምስ ገበረ፡ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዕለት ሰፈራ ዘጠቓለለ ቅዳሕ ጽሑፍ ክዳሎ ኢዩ። ሓደ ዕድል ሰፈራ ጥራይ ኢዩ ዘሎካ፡ ብጥርዓን (ይግባይ) ክቕየር ድማ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ንስኻ ኣብቲ መደበር ከለኻ፡ ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ጉዳይካ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኩሉ ኣድላዪ ድሕረ-ባይታዊ ሓበሬታኻ ክትህቦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ካልእ ኣማራጺ ዘለካ፡ ነቲ ክ/ኢ/ጽ/ብ ዝህበካ ቦታ ነጺግካ ኣብ ካልእ ቦታ ናይታ ሃገር ባዕልኻ መሪጽካ ክትሰፍር ትኽእል ኢኻ። ሳዕቤን ናይዚ ግን፡ ንስኻ ናይ ሌላ መደብን ካልእ ጥቕምታት ናይ ምርካብ መሰልካን ትስእን። ካብ ህዝቢ (መንግስቲ ኖርወይ) ዝኾነ ፋይናንሳዊ (ገንዘባዊ) ሓገዝ ከይረኸብካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ወጻኢታት ክትነብር ኣለካ። ኣብ መርበብ ኢንተርነት ናይዚ ትካል፡ ብዛዕባ ሰፈራ ዝያዳ ሓበሬታ ስለዘሎ፡ ኣብኡ ኣቲኻ ኣንብብ።
ኣብቲ ዝተወሰነልካ ምምሕዳር ከተማ ምስ ሰፈርካ፡ ዝወሃበካ መደብ ሌላ፡
ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ሰፈርካ፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ክሳብ 2 ዓመት ዝበጽሕ መደብ ሌላ ከዳልወልካ ኢዩ። እዚ ንስደተኛታትን ካብ 18-55 ዕድመ ንዘለዉ ንዳግም-ምጽንባር ስድራ-ቤቶምን ዝወሃብ ወፈያ ኢዩ። መደብ ሌላ ኣብ ቋንቋ ኖርወይን መሰረታውያ ብቕዓትን፡ ንማሕበራዊ ህይወት ኖርወይ ዘላልየካ ኣስተብህሎን፡ ኣብ ሞያዊ ዓለም ኖርወይ ንኽትሳተፍ ዘዳልወካን ፍልጠትን ዘጠቓለለ፡ መሰረታውያን ክእለታት መደብ የቕርበልካ። ኣብዚ ናይ ሌላ መደብ ከለኻ፡ ናይ (ሌላ) መበገሲ ደገፍ ይወሃበካ። እትረኽቦም ረብሓታት፡ ድርብ ናይቲ ልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ተሳተፍቲ ዝረኽቡዎ መሰረታው ሃገራዊ ዓቐን (ገንዘብ) ኢዩ።
ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ስደተኛታት፡ ኣብ ርእስ’ቲ ምስ ካልኦት ብማዕረ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽቕጽሉ ዘለዎም ዕድል፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ፍሉይ ወፈያ ምርካብ’ዩ። (ብዛዕባ’ዚ ኣብቲ “ትምህርቲ፡” ዝብል ክፋል፡ ዝያዳ ሓበሬታ ረኺብካ ከተንብብ ትኽእል)።
ንኽትመሃርን ንኽትሰርሕን ጽቡቕ ክእለት (ምልከት) ቋንቋ ክህልወካ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ቋንቋ ኖርወይ ምምሃር ክትጅምር ኣገዳሲ ኢዩ። ህዝቢ (መንግስቲ) ነቶም ካብ 16-67 ዕድመ ዘለዉን፡ ፍቓድ ዝረኸቡን፡ ስልጠና ቋንቋ ኖርወይን ማሕበራዊ ኣስተምህሮን (social studies) ክረኽቡ መሰል ግቡእን ይህቦም ኢዩ። ኣብ ኖርወይ ፍቓድ ዕቚባ ዝረኸቡ ሰባት፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ 2 ዓመት ኣብ ዝወስድ ናይ ሌላ መደብ ይኣት
ዋላ’ኳ መብዛሕትኦም እቶም ዕድላት (ወፈያታት) ነቶም ፍቓድ ምንባር ዝተዋህቦም እንተኾኑ፡ ንስኻ ጌና ንሕቶ ወይ መመልከቲ ዕቚባኻ መልሲ ውሳኔ እናተጸበኻ ከለኻን፡ ኣብቲ ነዊሕ ኣብ ማእከል (መደበር) ስደተኛታት ጻንሖትካን፡ ገለ ናይ ባዕለ-ምምሃር (ናይ ገዛእ ርእስኻ) ዕድላትን ንጥፈታትን ኣለዉኻ። እዚኣቶም ኣብ ከባቢኻ ብዝርከቡ ወለንታዊ ውድባት ዝተወደቡ ኢዮም። ከምኡ’ውን ቋንቋ ንኽትመሃር ዝሕግዙኻ ክትኣትዎም እትኽእል መርበባት ኢንተርነት ኣለዉ።
ኣብ ኖርወይ ንእኹላት (ዓበይቲ) ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጠናታት ቋንቋ ኖርወይ ዘቕርቡ ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ኦስሎ ብመዓልቲ (ቀትሪ) ኮነ ምሸት ስልጠናታት ቋንቋ ኖርወይ ዝሃባ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ወይ ውድባት ኣለዋ። ሰባት ነቶም ኣብ ገለ ቦታታት ኖርወይ ዘለዉ፡ ናጻ “ብኣካል (መጺእካ)፡ ዝውሰዱ ስልጠናታት ቋንቋ ኖርወይ ክጥቀመሎም ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ካብኦም ንኣብነት፡ Caritas፡ ከምዚ ዝበለ ብኣካል ዝውሰድ ናጻ ሰሙናዊ ስልጠና ቋንቋ ኖርወይ፡ ከምኡ’ውን ካፈ ማሕበራዊ ቋንቋ ኣሎ።
ካብ መስከረም 1፡ 2018 ጀሚሩ እተን ምምሕዳር ከተማታት ነቶም ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝነብሩን፡ ብዛዕባ መንበሪ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዘይተዋህቡ (ዘወሰዱ)፡ ልዕሊ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ደለይቲ ዕቚባ፡ ብዛዕባ ቋንቋ ኖርወይን፡ ክብርታትን ባህልን ስልጠና ክህቡ ኢዮም። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ማእከል ዕቚባ ስደተኛታት፡ ምስ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ተራኸብ።
መሰላት ጥዕና፡
ከም ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዕቚባ መጠን፡ ንኣካላዊን ኣእምሮኣውን ሕማማትን ግድላት ዓጻፍራስ (ድራግን ኣልኮሀልን) ብዝምልከት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ናይ ኣድላዪ ክንክን ጥዕና ስኒ’ውን መሰል ኣለካ። እዚ ፈለማ ኣብ ኖርወይ መጺእካ ናይ ዕቚባ፡ ስደተኛ ወይ ዳግመ-ጽንበራ ስራድ-ቤት መመልከቲ ካብ ዘቕረብካሉ ዕለት ጀሚሩ ይምልከተካ።
ኩሎም ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን ኣብ ኖርወይ ዝነብሩን፡ ናይ ጥዕናዊ ክንክንን ኣገልግሎትን መሰል ኣለዎም። ጥኑሳት ቅድምን ድሕርን ወሊድ፡ መሰል ኣድላዪ ክንክን ጥዕና ኣለወን። ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ሕርስን ድሕሪኡን፡ ብሓኪም ወይ ብመሕረሲ/ት ናይ ምክትታልን ክንክን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ክወልዳ መሰል ኣለወን። ዘይተደልየ ጥንሲ እንተደኣ ኣለወን ድማ፡ ነቲ ጥንሲ ክንጽልኦ (ከስድድኦ) መሰል ኣለወን።
እንተድኣ ሕቶ ዕቚባ መመልከቲኻ፡ ንመጨረሻ እዋን ተነጺጉ፡ ወይ ኣብ ኖርወይ ብሕጊ ትነብር ዘይሃሊኻ፡ ህጹጽ ወይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክንክን ጥዕና ጥራይ ኢዩ ክትረክብ መሰል ዘለካ። ንህይወትካ ህጹጽ ዝኾነ ጥዕናዊ ሽግር እንተለካ፡ ናብ ቁጽሪ ቴለፎን 113 ደውል፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ቦታ (ሆስፒታል) ቁጽሪ፡ 116 117 ኢዩ።
Fastlege
ሓፈሻዊ ሓኪም (GP)(ቀዋሚ ሓኪም) ምስ ሓመምካ ንኽትሕከም ወይ ንኸተማኽሮ እትኸዶ ናትካ ውልቃዊ (ዝተመደበልካ) ሓኪም ኢዩ። ኣብ ኖርወይ ኩሎም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝተመዝገቡ፡ ሓኪም ናይ ምህላው መሰል ኣለዎም። ንስኻ ከም ሓታቲ ዕቚባ መጠን፡ እንተድኣ ዲ-ቁጽሪ (D-number) ዝበሃል፡ ናይ መንነት ወረቐት (መለለዪ)፡ ከምኡ’ውን ምዱብ ዕለት ልደትን ቁጽሪን ማሕበራዊ ድሕነትን (social security) ዘለዎ ሰነድ ሒዝካ፡ መሰል ሓኪም ኣለካ።
ሓኪም ስኒ፡
ከም ደላዪ ዕቚባ መጠን፡ ኣብቲ ግዜ መስርሕ ናይ ዕቚባ መመልከቲኻን ወይ ፍቓድ እንተተዋሂቡካን፡ እንተድኣ ሓሚምካ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስኒ ንምርካብ መሰል ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሓካይም ስኒ ንምፍላጥ፡ ኣብ መደበርካ ምስ ዘለዉ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ወይ ሞያውያን ክንክን ጥዕና ተራኺብካ ሕተቶም። (nødvendig tannhelsetjenester)
ክፍሊት ንኣገልግሎት ጥዕናን ሓኪም ስኒን፡
ከም ሓደ እኹል (ዓቢ) ሰብ መጠን፡ ንሕክምናኻ፡ ካብቲ ናትካ ሕክምናዊ ብጽሒት ዝውሰድ፡ ተቖራጺ (ካብ 150-200 ኖርወጃዊ ክሮና) ክትከፍል ኣለካ። ኣብ ሆስፒታል ምስ እትድቅስ ናይ ሆስፒታልን መደቅስን ኣብኡ ዝግበረልካ ሕክምናን ኣይትኸፍልን ኢኻ።
ንሕክምና ስኒ ዝግበረልካ ወጻኢታት ኣበየናይ መደበር ኣለኻ፡ ማለት ኣብ ስሩዕ ዲዩ ወይ ግዝያዊ መሰጋገሪ (ትራንሲት)፡ ኣብ ዝብል ይምርኮስ። ኣብ ግዝያዊ መሰጋገሪ መደበር እንተሃሊኻ፡ ክ/ኢ (UDI) ነቲ ኣድላዪ ወጻኢታትካን ዝኾነ ምስቲ ህጹጽ ሕክምና ዝተተሓሓዘ ናይ መጎዓዝያን ናይ ተርጎምትን ወጻኢታት ክሽፍነልካ ኢዩ። ኣብ ሓደ ንቡር (ስሩዕ) መደበር ትነብር እንተሃሊኻ ድማ፡ ከም ሓፈሻዊ ሕጊ ንዝኾነ ናይ ሕክምና ስንን ናይ ተርጎምትን ወጻኢታት ባዕልኻ ክትሽፍኖ ኣለካ። እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ መደበርካ ምስ ዘለዉ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ተራኺብካ ሕተቶም።
ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ቆልዑ፡ ንሓኪም ብተቖራጺ፡ ሕክምናዊ ክፍሊት ኣይከፍሉን ኢዮም። 18 ዕድመ ክሳብ ዝበጽሑ ሕክምና ስኒ ብናጻ ኢዩ። ናይ ስኒ ምትዕርራይ ግን ናጻ ኣይኮነን። ጥኑሳት፡ ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ናጻ ሕክምናዊ ክንክን ይረኽባ። ከምኡ’ውን እታ ጥንስቲ ኣብ ግዜ ወሊድ ኣብ ሆስፒታል ገንዘብ ኣይትኸፍልን ኢያ።
ንዘቕረብካዮ ናይ ዕቚባ መመልከቲ ናይ ኣሉታ (ንጽገት) መልሲ እንተተዋሂቡካ፡ እቲ ሓፈሻዊ ሕጊ፡ ኣብ ሆስፒታል ንዝግበረልካ ወጻኢታት ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይካ ህጹጽ እዋናዊ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ካልእ ኩሉ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ፡ ይብል። እዚ ንግዜ ወሊድ (ንጥንስቲ) እውን ይምልከት። ኣብ ኩሉ ዓይነት መደበራት ስደተኛታት ዘለዉ ነበርቲ፡ ናብ ክ/ኢ UDI መመልከቲ ኣቕሪቦም ነዞም ዝተጠቕሱ ተወሰኽቲ ክፍሊታት ኣብ ምግባር ክሕገዙ፡ ክሓቱ ዕድል (መሰል) ኣለዎም። እዚ ንፍሉያት ጉዳያት (ኣጋጣሚታት) ስለዝምልከት፡ ብቐጥታ ናብቲ ትካል መመልከቲ ክቐርብ ይግባእ። ምስቶም ኣብ ቤት-ጽሕፈት መደበርካ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ሞያውያን ጥዕናን ተራኺብካ፡ ኣብቲ መስርሕ ምምላእ ቅጥዒ መመልከቲ ክሕግዙኻ ሕተቶም።
ስሩዕ ጥዕናዊ ምክትታል፡
ነቶም ኣገልግሎት ጥዕና ክትራኸቦም ከለኻ፡ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሞያውያን ንዘለካ ቋንቋዊ ጸገም ፈቲሖም (ወይ ሰጊሮም) ነቲ ርኽክብካ ከሳልጡዎ ይግባእ። ብ ቛንቋ ዓድኻ ክትጥቀም ምስ እትደሊ፡ እቶም ሞያውያን ተርጓማይ ክእዝዙልካ ይግባእ። እቲ ተርጓማይን ሞያዊ ኣገልጋሊ ጥዕናን (ሓኪም) ምስጢርካ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ኣለዎም። ከም ሓፈሻዊ ሕጊ፡ ንሳቶም ንዝኾነ ካባኻ ዝረኽቡዎ (ዝሰምዕዎ) ጥዕናዊ ሓበሬታ፡ ብዘይ ፍቓድካ ንኻልእ ኣካል ክገልጹ ኣይክእሉን ኢዮም።